ጉግል: ኣብ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ዝነጥፍ ኣመሪካዊ ኩባንያ

ጉግል ው.ሓ.ኩ (ውሱን ሓላፍነት ኩባንያ) (ብእንግሊዝኛ፦ Google LLC)፣ ናይ ኣመሪካዊ ኣልፋበት ቀንዲ መለስተኛ (subsidiary) ኩባንያ እዩ፣ ፍሉይ ክእለቱ ድማ ምስ ኢንተርነት፣ ሶፍትዌር፣ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝተኣሳሰሩ ፍርያትን ኣገልግሎታትን እዮም። ቀንዲ ፍርያት ጉግል ተመሳሳሊ ስም ዘሎ ናይ ኢንተርነት ትሕዝቶ ምድላይ ሞተር እዩ፣ ዋላ እኳ ካልኦት ፍርያትን ኣገልግሎታትን ከምቲ ናይ ጉግል ድራይቭ (Google Drive) ቤት ጽሕፈት ተርታ ኣቕሑ፣ እቲ ጂመይል (Gmail) ዝበሃል ኢመይል፣ ናይ ጉግል ካርታታት (Google Maps)፣ ጉግል ስትሪት ቪውን (Google Street View) ጉግል ኤርዝን (Google Earth) ናይ ካርታ ኣገልግሎታቱ፣ እቲ ናይ ዩትዩብ (YouTube) ቪድዮታት መርበብ ሓበሬታን ካልኦት ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎታትን ከም ጉግል መጻሕፍቲ (Google Books)፣ ጉግል ዜናን (Google News) ተርጓሚ ጉግልን (Google Translate) የቕርብ እንተኾነ።

ጉግል
ጉግል ው.ሓ.ኩ. (Google LLC)
ጉግል: ኣብ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ዝነጥፍ ኣመሪካዊ ኩባንያ
ጉግል: ኣብ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ዝነጥፍ ኣመሪካዊ ኩባንያ
ጉግልፕለክስ (ኣብያተ ጽሕፈት ትካላት) ብሓምለ 2016
ዓይነት ህዝባዊ
ኢንዱስትሪ ኢንተርነት
ሶፍትዌር
ሃርድዌር
ቴክኖሎጂ
መሰረት 4 መስከረም 1998 (25 ዓመታት)
መስረትቲ ሰርገይ ብሪን
ላሪ ፐይጅ
ዋና ቤት ጽሕፈት Googleplex (Mountain View፣ ኣመሪካ)
ቦታ ስራሕ ዓለምለኻዊ
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሹንዳር ፒቸይ
ፍርያት ዝርዝር ፍርያት ጉግል
እቶት 66,001,000,000 ዶላር ኣመሪካ
ወናኒ ላሪ ፐይጅ፣ ሰርገይ ብሪን፣ Eric Schmidt፣ Alphabet Inc. ከምኡ’ውን XXVI Holdings
ሰራሕተኛታት 139,995
መስተማእዛኒታት 37°25′19″ሰ 122°05′04″ምዕ / 37.422055555556, -122.08444444444
መርበብ ሓበሬታ www.google.com

ታሪኽ

ጉግል: ኣብ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ዝነጥፍ ኣመሪካዊ ኩባንያ 
ላሪ ፐይጅን ሰርገይ ብሪንን፣ መስራትቲ ጉግል፣ ብመስከረም 2003።

ጉግል ኣብ 1998 ብላሪ ፐይጅን ሰርገይ ብሪን ዝተባህሉ ሰባት’ዩ ተመሰሪቱ። እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ስታንድፎርድ ዩንቨርሲቲይ ተመሃሮ ፒኤችዲ ዲግሪ እንከለዉ’ዮም መስሪቶሞ። ላሪ ፐይጅን ሰርጊ ብሪን 14% እዚ ትካል ክውንኑ እንከለዉ፡ 56% ድማ ብ(ስቶክ ሆልደርስ)’ዩ ዝውነን።

ጉግል ኣብ 4 መስከረም 1998 ናብ ናይ ውልቂ ትካል ተሰጋገረ። ኣብ 19 ነሓሰ 2004፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈቱ ‘ካሊፎርንያ’ ዝገዓዘ ጉግል፣ ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐርብ፦ “ጉግል ፕለክስ” ዝብል ስም ተዋህቦ። ኣብ ነሓሰ 2015፣ ጉግል ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ዘለዎ መደባቱ፣ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ መደባቱ ከምዘተዓራሪ ንህዝቢ ኣፍለጠ።

ካብ ዝጠራነፍ ኣትሒዙ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየ ጉግል፣ ብሓንሳዕ’ዩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣቕሪቡ። ዝተፈላለዩ ነገራት ደሊኻ ኣብ ጉግል ኣቲኻ ምርካብ፣ ንስራሕ ዘድልዪ ነገራት ኣገልግሎት ምሃብ፣ ፍርያት ጉግል ከም ወረቃቕቲ፣ ኢሜይል፣ ምስራዕ ምትዕርራይ መደባት፣ ማሕበራዊ መራኸቢ መስመራት፣ ብጽሑፍን ብቪዲዮን መልእኽቲ ምስዳድ፣ ቋንቋ ምቕያር፣ ካርታ ሃገራት ምሕባር፣ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ኣገልግሎታትን የዳሉ።

ካብዚ ቀጺሉ ጉግል ኣብ ሞባይል ኣንድሮይድ፣ ጉግል ክሮም ዌብ ብሮውሰር፣ ክሮም ኦስን ኣብ ሞባይል ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትን ኣተኣታትዩ’ዩ።

ጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ክሳብ 2015 ዝተፈላለዩ ንብረት እዩ ኣፍሪዩ። እዚ ትካል ምስ ዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ዘፍርያ ትካላት ብምሕባር፡ ከም ሞባይልን መጉልሒ ድምጽን ኣብ ጥቅምቲ 2016 ኣቕሪቡ። ጉግል፣ ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ተሰካሚ ኢንተርነት ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ጉግል፣ ዩቱብን ብሎገርን ዝርከብዎ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ ዘለዉዎ መስመራት ኢንተርነት ተባሂሉ ተጠቒሱ’ዩ። እዚ ትካል ምስቶም ፍሉጣትን ክቡራትን ትካላት ዓለምና’ዩ ዝስራዕ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፣ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት፣ ምውጋድ ቀረጽ፣ ዘይእመን ሜማ ወይ ሰንሰር ኣብ ዝኣመሰሉ ክስታትን ኣገደስቲ ነቐፌታትን ይቐርቦ እዩ።

ዕላማ ጉግል፦ “ኣብ ዓለም ዘሎ ሓበሬታታት ብምዕራይ፣ ንኩሉ ብማዕረ ንኽበጽሕን ጠቓሚ ክኸውንን” ዝብል እዩ።

Tags:

ተርጓሚ ጉግልኣመሪካእንግሊዝኛዩትዩብ

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ካናዳጋናኬንያኣቆጻጽራ ኦሮሞዓሰርተ ክልተኤርትራ ኲናት ናይ ናጽነትፖላንድጃፓንቺሌኤደን ሃዛርድትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕኣውስትራሊያቋንቋ ሃገርኖርወይኣቶማትኤውሮጳስሳሞንጎልያፖሊሽኣመሪካኣስመራጊንዳዕክርስትናርእሰ ከተማትግራይስነ-ኮኾብዞባ ደቡብመቐለኢራንኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ?ባንዴራ ኤርትራዓሰርተ ኣርባዕተ🡆 More