ክታበታት ሸሮኽ: ሕማም ኮሌራ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት

ክታበታት ሸሮኽ፡ ሸሮኽ ንምክልኻል ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበታት እዩ። ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ከባቢ 85%፡ ኣብ ፈለማ ዓመት ድማ 50-60% ውጽኢታዊ እዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ድማ እቲ ውጽኢታውነቱ ናብ ትሕቲ 50% ይወርድ። እቲ ቀንዲ ክፋል ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ እተኸትበ ህዝቢ ነቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ረብሓታት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ምስ ካልእ ስጉምታት ብምውህሃድ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክልተ ዓቐን መድሃኒት ወይ ሰለስተ ዓቐን መድሃኒት ንኽውሃብ ብልሙድ ለበዋ ይቐርብ። እቲ ብመርፍእ ዚውሰድ መድሃኒት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለም ዚውሃብ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ቐረብ ግን ውሑድ እዩ።

ድሕነት

እቲ ብኣፍ ዚውሃብ ክልተ ዓይነታት ክታበት፡ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ፈኲስ ቃንዛ ከብዲ ወይ ውጽኣት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ጥንሲ ከምኡውን ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ንዘለዎም ሰባት ድማ ውሑስ እዩ። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ንኺውዕል ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነለን ሃገራት ድማ ብዋጋ ሕሱርን ዜዋጽእን እዩ።

ሕብረተሰብን ባህልን

ኣንጻር ሸሮኽ ዚውሃብ ናይ ፈለማ ክታበታት፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት ዚማዕበለ እዩ። ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ኣብ ጥቕሚ ዚውዓለ ኣብ ቤተ-ሙከራ እተመስርሐ ክታበት እዩ። እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክታበታት፡ ኣብ 1990ታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውዱብ ጥዕና ዓለም ተዘርዚሩ ኣሎ፣ ኣብ መባእታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኾነ መድሃኒት እዩ። ኣንጻር ሸሮኽ ክታበት ንምውሳድ ዚወጽእ ወጻኢ-ገንዘብ፡ ካብ 0.1 ክሳዕ 4.0 ዶላር ኣሜሪካ እዩ።

መወከሲታት

Tags:

ውድብ ጥዕና ዓለም

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ኣርጀንቲናኬንያንግዲሃንስ ማርቲን ሱተርማይስተርግብጺኣምስተርዳምካናዳሪፓብሊክኢሳይያስ ኣፈወርቂምህንድስናኢትዮጵያሲሰሮ ስታድዩምዶክተርራሰል ዶሚኒክ ፒተርስሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ኣሜሪካሞንጎልያቱርኪፖላንድኣንጎላፕረዚደንትጋምቢያማሪኡፖልለበዳ ኮቪድ-19ቋንቋ ኣምሓርኛኤኳዶርልቢሊግ 1ቁጽሪዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ፪፬፬፮እናዘለለ መጺኡሞሪታኒያፖሊሽሕሙምሩዋንዳካሮቲድርብ ቋንቋነትኖርወይስዑዲ ዓረብሪሆ ቴ ተኔሂሮጉግል ኤርዝ🡆 More