ኣግኣዝያን

ትግራይ ንኤርትራ እንታይ'ያ?

ኣግኣዝያን

ትግራይ ንኤርትራ እንታይ'ያ?

ታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ታሪኽ ወራርን ዝርፍያን ማሕረድትን ዓድታት ምንዳድን'ዩ ዝነበረ። ኣብ'ቲ እዋን ህዝቢ ከበሳ ተኣኪቡ ይነብር ብዘይምንባሩ፣ ህዝቢ ተኣኪቡ ዉሁድ መኸተ ከካይድ ኣዝዩ ይኸብዶ ነበረ። ድሕሪ ተደጋጋሚ ወራርን ደም ምፍሳስን ዓበይቲ ዓዲ ተኣኪቦም ኣስፊሖም መኸሩ፣ ተዛተዩ፣ ተመዓዓዱ'ሞ ድሕሪ ነዊሕ ምምኽኻር ዓደ ኣቡኦም ኣሕሊፎም ንኸይህቡ ጸጸር ተወሓሓጡ። ብሓደ ሸነኽ ጭካነ ዝመልኦ ወራር መሳፍንቲ ትግራይ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዒፍ ዝበሎ ህዝቢ ኣንጻር ወረርቲ ክምክት ዝወሰነሉ ታሪኻዊ ወድረኽ።

ኣብ ብራናታት ታሪኽ ተሰኒዱ ከም ዘሎ፣ ከበሳን መታሕትን ኤርትራ ብጭካነ መሳፍንቲ ትግራይ ደም ነቢዑ'ዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ንግስነት ሃጸይ የዉሃንስ፣ መረብ መሰጋገሪት ረገጽትን ሓረድትን መሳፍንቲ ትግራይ'ያ ዝነበረት። ህዝቢ ‘‘ምድረ ባሕሪ‘‘ ኣቐዲሙ ንወራር ቱርካዊያንን ግብጻዊያንን ብሓያል መስዋእቲ ይምክቶ ብምንባሩ፣ ንወራር መሳፍንቲ ትግራይ'ዉን ክቕበሎ ኣበደን'ዩ ዝበለ። ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ንህዝቢ ደቂ ባሕሪ ረጊጹ ኮፍ ከብሎም'ዩ ዝብል እምነት ዝነበሮም መሳፍንቲ ትግራይ ግን ንህዝቢ ደቂ ባሕሪ ንምጥፋእ ተላዕሉ። ዓድታት ኣንደዱ፣ ህጻዉንቲ ብሳንጃ በታተኹ፣ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጹ፣ ቤተ ክህነት ኣንደዱ፣ መሳጊድ ኣፍረሱ፣ ህዝቢ ከካብ ዓድታቱ ሃጽ ኢሉ ከም ዝሃድም ድማ ገበሩ።

ትግራይ ዝመሰረታ ሃጸያዊት ኢትዮጲያ ክፈጥሩ ሕልሚ ዝነበሮም መሳፍንቲ ትግራይ፣ እምቢታ ደቂ ባሕሪ ስግኣት ይፈጥረሎም ብምንባሩ ብሓደ ሸነኽ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቅናት ባሕሪ ኤርትራ ክቆጻጸሩ ክቱር ድሌት ብምንባሩ ንደቂ ባሕሪ ከም ማይ ከንጽፉ ዘመቱ። ኣብ ሓደ እዋን ቀንዲ ኣተግባሪ ገበናት ሃጸይ የዉሃንስ ዝነበረ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ናብ ከበሳታት ኤርትራ ወራር ፈጸመ'ሞ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበራ ዓድታት እንዳቃጸለ፣ ህጻዉንቲ እንዳሓረደ፣ ደቂ ኣንስትዮ እንዳዓመጸ መሬት ኤርትራ ናብ ቀይሕ ሕብሪ ቀየራ። መሬት ብደም ጨቀወት፣ ኣዒንቲ መሬት ደቂ ባሕሪ ነብዐት። ህዝቢ ከም ህዝቢ ቅድሚኡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ገበን ስለ ዝወረዶ ኣእዳዉ ናብ ፈጣሪ ዘርጊሑ ክምህለል ጀመረ።

ዉሑድ ካብ ተግባራት መሳፍንቲ ትግራይ ዝገልጽ ታሪኻዊ ሰነድ እምበኣር ዜማን ግጥምን ደግያት ባህታ ሓጎስ'ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ብዝምታን ሽፍትነትን መሳፍንቲ ትግራይ ልቡ ዝተሰብረ ሓርበኛ ኣቦ ደግያት ባህታ ሓጎስ፣ ኣሕኡ ብሰራዊት ሃጸይ የዉሃንስ ኣብ ከባቢ ጸንዓ ደግለ ምስ ተዘምትኦ ከምዚ ክብል ብክራሩ ጌሩ ኣምሪሩ ከም ዝዘየመ ብራናታት ታሪኽ ይምስክሩ።

ኣሻሕ ላመይ ኣንቲ ኣሻሕ ላመይ ኣለኹልካ ዘይትብልኒ ከመይ እንታይ ኾንኪ ተሕድርኒ ጾመይ ኣሻሕ ላመይ ኣንቲ ኣሻሕ ላመይ ምሳኺ ኸይጸንሕ ቐደመይ ምተሳገርክየን ነተን ደመይ ኣትን ብዓል ኣሻሕ በዓል ዳዕቦ ትግራይ ወሰዱኽን ሰብ ኣድያቦ ሓደ ዶ ስኢንክን ደርባይ ኩቦ

ድሕሪ'ዚ ህዝቢ ከበሳ ነቲ ብመሳፍንቲ ትግራይ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዒ ብዋልታን ጭማራን ክገጥሞ ተላዕለ። ብኤርትራዊ ሓርበኛ ኣቦ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ዝምራሕ ዉሁድ ናይ መኸተ መድረኽ ድማ ፈጠረ። ‘‘እምቢ ንመግዛእቲ‘‘ ዝብል ጭርሖ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጻት ንጻት ኣንጎድጎደ። ህዝቢ መታሕትን'ዉን ነቲ ኣብ መሬት ከበሳ ኮይኑ ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቡ ንምድሓን ዘለዎ ሒዙ ዘመተ። መኸተ ደቂ ባሕሪ ንወራር ሃጸይ የዉሃንስ ብድሆ ክኾኖ ጀመረ'ሞ፣ የዉሃንስ ንኣሉላ ኣባነጋ መረብ ሰጊሩ ንራእሲ ወልደሚካኤል ሓቢሉን ኣታሊሉን ከምጽኦ ኣዘዞ።

ኣሉላ ናብ ራእሲ ወልደሚካኤል ክመጽእ እንከሎ ንሰላም ከም ዝዘመተ ኣቐዲሙ ሓበረ። ሰላም ዝብል ወረ ኣብ መሬት ደቂ ባሕሪ ተላብዐ። ህዝቢ ነቲ ወረ ፍጹም ክኣምኖ'ኳ እንተዘይከኣለ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ንሰላም ሕራይ በለ። ብመሬት ጾሮና ይሓልፍ ብምንባሩ፣ ህዝቢ ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ‘‘ጎይታይ እመኑና ብዝኸድኩማ ኣይትምለሱን ኢኹም፣ ንዑ ሕደጉ‘‘ ብምባል ናብ ትግራይ ከይከዱ ለመኖም። እንተኾነ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ‘‘እዞም ምሳይ ዘሎዉ ብሻለቃ ኣሉላ ዝምርሑ ልኡኻት ሃጸይ ዮሃንስ፣ ውዕል ሰላም ንምፍርራም ዳኣ'ምበር ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ጥልመት ከም ዘይፍጸም ብኹሎም ኣማልኽቲ ምሒሎም ኢዮም" ብምባል ንህዝቢ መርቑኒ ብምባል ህዝቢ ከይሰምዑ ናብ ትግራይ ኣምርሑ።

ጉዕዞ ቀጺሉ ልኡኻት ማርያም ሸዊቶ መስ በጽሑ፣ ራስ ኣሉላ ኣባነጋ ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ካብ በቕሉ ኣዉሪዱ ‘‘ልደርሆ ቆሎ ላሃብኻ ልሓማሼናይ ካዓ ላማሓልኻ ክባሃል የሰማዕካይ‘‘ ብምባል በሽክዓላል ተዛረቦ። ኣቦና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ድማ፣ "በል እንቋዕ ዳኣ ኣብ ውግእ ስዒርካ ኣይማረኽካኒ እምበር፣ በዞም ኩሎም ኣማልኽቲ ምሒልካ እንተጠለምካን'ስ ምንም ኣይመስለን ኢዩ። በብተግባራትና ህዝቢ ዘልኣለም ክዝክረና ክነብር'ዩ" ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣብ ልቢ ወለዶታት ዝሓደረ መልሲ መለሱ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ'ዩ ኔሩ። ኣቦና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን

ድሕሪ'ዚ ጸሊም ናይ ወራርን ቅትለትን መድረኽ፣ መሳፍንቲ ትግራይ ካብ መሳፍንቲ ኣምሓራ ብድሆታት ክገጥሞም ብምጅማሩን ሃጸይ የዉሃንስ ምስ ማህዳዉያን ኣብ ዝገበሮ ኩናት ብምቕታሉን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ኣንፈቶም ናብ ደቡብ ክጠዉዩ ጀመሩ። መግዛእቲ ፋሽሽታዊ ጣልያን ኣብ መሬት ደቂ ባሕሪ ኣትዩ ብምንባሩ፣ ልዕልና መሳፍንቲ ትግራይ ብቕልጡፍ ከንቆልቁል ጀመረ። ድሕሪ ናይ ልዕሊ 100 ዓመታት መግዛእቲ፣ ብሰንኪ ፖለቲካ 40ታት ዝተፈጥረ ዉጥጥ፣ ኣብ 2ይ ኩናት ዓለም ጎብለል ኮይና ዝወጸት ኣሜሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ኣእዳዉ ጠዉያ ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጲያ ክትጸምዶ ተራእየት። ቃልሲ 50ታት ተጀሚሩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣትዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ታሪኽ ክሕደትን ጥልመትን ይቕረ ብምባል ምስ ህዝቢ ትግራይ ብሰናይ ጉርብትና ክነብርን ኣብ ቃልሲ ክተሓጋገዝን ተራእየ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንተጋደልቲ ህወሓት ከሰልጥንን ብዕጥቅን ስንቅን ክሕብሕብ ዝጀመረ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ 1991 ንተጋደልቲ ህወሓት መሪሑ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ኣብ 1998 ብካብ ትግራይ ዝወጹ መራሕቲ ሃገረይ ክትዉረር'ያ ዝብል ግምት ፍጹም ኣይነበሮን።

Tags:

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ዛምቢያስነ ጥበብፖላንድዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪሚተኢንዶኔስያሾመንተፖሊሽ70ሞዛምቢክኣዶልፍ ሂትለርGrace Wanርሑስ ክረምቲቻይናእንስሳቋንቋ እንግሊዝኛህንዲጉግል ካርታታትዲሞክራሲጂቡቲማቲው ስቲቨን ሹልዘኮሮናቫይረስሃገርበርሊንሩስያመጽሓፍ ቅዱስኤኳዶርሴኔጋልኣስመራዩክሬንኩባISO 3166-1ኢትዮጵያክሪስትያኖ ሮናልዶዓለምለኻዊ ስርዓት ኣሃዱታት መለክዒጋምቢያኲናት ናጽነት ኤርትራርእሲ ከተማጉግል ስትሪት ቪውፖለቲካፊዚክስለበዳ ኮቪድ-19ኣዲስ ኣበባስዊዘርላንድኣውቶቡስቋንቋ ፓሽቶጀርመንኣርጀንቲናሃገራዊ መዝሙርሰማይን ምድርንስፖርት🡆 More