ብመምህር ፍስሃየ ባህታ (ወዲ ዓዲ):
ኣንበሳ እቲ " ንጉስ እንስሳ" ተባሂሉ ዚጽዋዕ እንስሳ በረኻ ኢዩ። ቀደም፡ ኣንበሳ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እስያን ኣብ ገለ ቦታታት ኤውሮጳን'ውን ይነብር ነበረ። ኣብ'ዚ ዘለናዮ እዋን ግን፡ ኣናብስ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ከይበርስ ተባሂሉ ዝተሓዝአ፡ ሃድን ከኣ ዘይፍቀዶ ቦታታት ጥራይ ኢዮም ዚርከቡ።
ተባዕታይ ኣንበሳ እቲ ዝሓየለን ግርማ ዘሎዎን እንስሳ ኢዩ። ሓደ ኣንበሳ፡ ኣብ'ቲ ብጹሕ ዕድመኡ፡ ምስ'ቲ ጽቡቕ ጸጕሩ፡ ኣዝዩ ግርማ ዝመልኦ ትርኢት ኣሎዎ። ሓደ ንእሽቶ - እቲ 'ሽደን' ኢልና እንጽውዖ'ውን ጸጕራም ኢዩ። ኣንበሳ ኣብ ግዜ እርጋኑ፡ ሕብሩ እናቐየረ፡ ማለት እናጸለመ'ውን ይኸይድ'ዩ።
ተባዕታይ ኣንበሳ ንውሓቱ ( ካብ ርእሱ ክሳብ ጭራኡ) 2,5 ሜ. ኣቢሉ ይበጽሕ። ቍመቱ ( ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ) ከኣ ካብ 1,2 ሜ. ንላዕሊ ኢዩ። ኣንስተይቲ ኣንበሳ (ዋዕሮ) ግን ካብኡ ትንእስ። ክብደቶም ካብ 125 - 250 ኪ.ግ. ኢዩ።
ኣናብስ፡ ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ ኪወልዱ ይኽእሉ። ምልኦ ዋዕሮ ካብ 105 ክሳዕ 112 መዓልታት ኢዩ። ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ኰራኵር ክትወልድ ትኽእል። ኣብ ከክልተ ዓመት ትወልድ። እዋን ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ሓደ ምቹእ ቦታ ትመርጽ። እዚ ቦታ'ዚ ጸላእቲ ብቐሊል ዘይረኽቡዎን ጥቓ ማይ ዘሎዎን ኪኸውን ትመርጽ።
ደቃ ኪውለዱ ከለዉ፡ ዓይኖም ኣይርእን'ዩ። ጸጕሮም ከኣ ነቝጣ ነቝጣ ኢዩ። ንኽልተ ኣዋርሕ ካብ ጡብ ኣዲኦም ጥራይ ኢዮም ዚምገቡ። ደቂ ሽዱሽተ ሰሙን ምስ ኰኑ፡ ናብቲ ዚብላዕ ዘሎዎ ቦታ ምስ ኣዲኦም ይስዕቡ።
ኰራኵር ኣናብስ፡ ሓደ ዓመት ከይገበሩ ኣስናኖም ስለ ዘይድልድል ባዕላቶም ስጋ ኪምንጭቱ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለ'ዚ መግቢ ካብ ኣደኦም ኢዮም ዚጽበዩ። ቀስ ብቐስ ግን ከመይ ጌርካ ከም ዚህደን ይምሃሩ እሞ፡ ደቂ 15 ኣዋርሕ ኣቢሎም ምስ ኰኑ፡ ባዕላቶም ነኣሽቱ እንስሳታት ኪሃድኑ ይጅምሩ። ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ፡ ኣደኦም መሊሳ መላእ ስለ እትኸውን ኪገድፉዋ ኣሎዎም። ገለ ካብተን ኣንስትዮ ደቃ ኪጸንሓ ይፍቀደለን። እቶም ተባዕትዮ ግን ካብቲ ዕስለ ኬልግሱ ይግደዱ።
ኣናብስ ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ኢዮም ዚሃድኑ። ኣብ እዋን ቀትሪ ግን ይድቅሱ። ኣናብስ ብለይቲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣሎዎም። ስለ'ዚ ከኣ ብጸልማት ኪሃድኑ ኣይጽገሙን። ተባዕታይ ኣንበሳ ባዕሉ ኣይሃድንን ኢዩ። ምስ ክብደቱ ኣነጻጺርካ ልቡ ንእሽቶ ኢያ። ስለ'ዚ ቍሩብ ምስ ጐየየ ቀልጢፉ ይደክም። እተን ዚሃድና ኣንስትዮ ኢየን። ነቲ ዝተሃድነ ብቐዳምነት ኪበልዖ ዚጅምር ግን እቲ ተባዕታይ ኢዩ። ንሱ፡ በሊዑ ምስ ጸገበ ነተን ኣንስትዮን ደቀነን ኪበልዑ ይፈቕደሎም።
This article uses material from the Wikipedia ትግርኛ article ብመምህር ፍስሃየ ባህታ, which is released under the Creative Commons Attribution-ShareAlike 3.0 license ("CC BY-SA 3.0"); additional terms may apply (view authors). ትሕዝቶ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ CC BY-SA 4.0 ይርከብ እዩ፣ ካልእ እንተ ዘይተገልጸ። Images, videos and audio are available under their respective licenses.
®Wikipedia is a registered trademark of the Wiki Foundation, Inc. Wiki ትግርኛ (DUHOCTRUNGQUOC.VN) is an independent company and has no affiliation with Wiki Foundation.