ስነ ፍልጠት

ኣቶም ባእታታት

ኣቶማት፡ ነቲ ኣብ ዙርያና ዝርከብ ኩሉ ነገር ዚሃንጹ፡ ዝነኣሱ ክፋላት ናይ ሓደ ነገር እዮም። ዘሎ ዘበለ ኩሉ ካብ ኣቶም ንኣሽቱ ባእታታት ዝቆመ እዩ። እዚ ክንብል እንከለና ፈሰስቲ፡ ጋዛት፡ ድሩቃት ነገራት ኩሎም ካብ ኣቶም ዝቆሙ እዮም። በዚ መሰረት ነፍሲ-ወከፍ ኣቶም ክፋል ሓደ ከሚካላዊ ባእታ እዩ። ኣቶም፡ ብብዙሓት ፓርቲክል ኢልና ንጽውዖም ኣዝዮም ደቀቕቲ ብዝኾኑ ቁርጽራጻት ዝተሃንጸ እዩ። ናይ ዓለም ምሁራትን ፍላስፋታትን Scientist፡ ኣቶም ክምቀል ዘይክእል ዝነኣሰ ናይ ህይወት ኣሃዱ እዩ፡ ኢሎም ይኣምኑ ምንባሮም ይፍለጥ። ይኹን እምበር ድሕሪ ነዊሕ መርመራታትን ምዕባለ፡ ናይ ሰነ-ፍልጠትን ምስተረጋገጸ ግና፡ ኣቶም ይምቀል እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እዮም በጺሖም፡፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ከኣ ንኣቶም ዘቁምዎ ክፋላት ኣለዉ። ሓደ ኣቶም ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ንሱ ድማ ድርዒ-ኣቶምን፡ እዚ ማለት ላዕለዋይ ክፋል ናይ ኣቶም eng. atomic shell ሕመረት ኣቶምን እዚ ከኣ ማእከላይ ክፋል ኣቶም፡ eng. atomic nucleus እዩ። ሕመረት ኣቶም ካብ ድርዒ-ኣቶም ኣዝዩ ይንእስ፡ ዝዓበየ ርዝነት ኣቶም ግን ኣብ ሕመረት ኣቶም እዩ ዝርከብ። ሓደ ኣቶም ካብ (1)ኤለክትሮን Electron (2) ፕሮቶን ከምኡውን Proton (3)ኒውትሮን Neutral ዝቆመ እዩ። ፕሮቶን ከምኡውን ኒውትሮን ናይ ሓባር መጸውዒ ስሞም ሕመረት ወይ (Eng.nucleus) እዩ። ኤሌክትሪካዊ ምልኣት ክፋላት ኣቶም ነዚ ዝስዕብ ይመስል


ንኣብነት፦ ብኣወንታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ምልኣት ማለት Positive Electron Charge  ዝተመልኡ ፕሮቶን Proton፡ ብኣሉታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ቻርጅ Negative Electron Charge ዝተመልኡ ንጣር Particle ድማ ኤሌክትሮን ይብሃሉ። ንዩትሮን Neutron ድማ ዝኾነ ናይ ኤሌክትሪክ ቻርጅ ዘይብሎም ንጣር Particle እዩ። ንዩክለስ ከኣ (ሕምብርቲ ኣቶም) እቲ ኣብ ማእከል ናይ ሓደ ኣቶም ዝርከብ ቦታ እዩ። ብካልእ ኣገላልጻ ኣቶም ብፕሩቶንን ብኒውትሮንን ዝተሃንጸ እዩ። እቶም ኤሌክትሮናት ከኣ ኣብ ዙርያ እዚ ኒውክለስ ይዞሩ።   
Caption text
ንኣቶም ዘቕሙ ክፋላት ኤለትሪካዊ ምልእት
ኤለክትሮን ኣሉታዊ ምልእት

Negative charged

ፕሮቶን ኣወንታዊ ምልእት

Positive charged

ኒውትሮን ኣጓጉል

Zero charged)

ብኣወንታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ምልኣት ማለት Positive Electron Charge ዝተመልኡ ፕሮቶን Proton፡ ብኣሉታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ቻርጅ Negative Electron Charge ዝተመልኡ ንጣር Particle ድማ ኤሌክትሮን ይብሃሉ። ንዩትሮን Neutron ድማ ዝኾነ ናይ ኤሌክትሪክ ቻርጅ ዘይብሎም ንጣር Particle እዩ። ንዩክለስ ከኣ (ሕምብርቲ ኣቶም) እቲ ኣብ ማእከል ናይ ሓደ ኣቶም ዝርከብ ቦታ እዩ። ብካልእ ኣገላልጻ ኣቶም ብፕሩቶንን ብኒውትሮንን ዝተሃንጸ እዩ። እቶም ኤሌክትሮናት ከኣ ኣብ ዙርያ እዚ ኒውክለስ ይዞሩ።

እቶም ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኣስታት 118 ባእታት፡ 90 ካብኣቶም ብተፈጥሮ ኣብ ዓለም ይርከቡ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ሰብ ዘቆሞም ወይ ድማ ዝሰረሖም እዮም። ኣቶም ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለዝኾኑ፡ ብዓይንንና ክንርእዮም ኣይንክእልን ኢና፡። ስለዚ ኣቶም እንታይ ከምዝመስሉ ዘረድእ ሞዴል ኢና ንጥቀም። ሓደ ሞዴል ነቲ ክዉን ዝኾነ ነገር ብቅልል ዝበለ መገዲ ዘረድእ መግለጺ እዩ። ንኣቶማት ክንገልጽ ከለና መብዛሕትኡ ጊዜ ንጥቀመሉ ሞዴል ነቲ ሼል ሞዴል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሞዴል እዩ። ኣብ ሼል ሞዴል፡ ኤሌክትሮናት፡ ካብ ኒውክለስ ዝተፈላለየ ርሕቀት ኣብ ዘለዎም ዓንኬላት (ሼል) እዮም ዝዞሩ። እቲ ናይ መጀመርያ ሼል (ናብ ኒውክለስ ዝቐረበ ዓንኬል)፡ ክሳብ ክልተ ኤሌክትሮን ክሕዝ ይኽእል። እቲ ዝቅጽል ሼል ክሳብ ሸሞንተ ኤሌክትሮን ክሕዝ ይኽእል። ሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶም፡ ሸሞንተ ኤሌክትሮናት ኣለዎ። ስለዚ ክልተ ኤሌክትሮን ኣብቲ ናይ መጀመርያ (ብውሽጢ ዘሎ) ሼል፣ ሽዱሽተ ኤሌክትሮን ድማ ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ሼል ይኾኑ ማለት እዩ።

ሃይድሮጂንን ሂልየምን ክልተ ዝንኣሱን ፈኮስትን ኣቶም እዮም። ሃይድሮጂን ሓደ ፕሩቶንን ሓደ ኒውትሮንን ጥራይ ኣብ ኒውክለስን፣ ሓደ ኣብ ዙርያ ኒውክለስ ዝዘውር ኤሌክትሮንን ኣለዎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ኤሌክትሮንን ፕሮቶንን ዘይጸላሎ Neutral ይኸውን። እዚ ድማ ነቲ ኣቶም ዝኾነ ናይ ኤሌክትሪክ ቻርጅ Electron Charge ከምዘይህልዎ ይገብር። ብኸምዚ ድማ እቲ ኣቶም ዝሁም Neutral እዩ። ኣቶም ሂልየም Helium፡ ክልተ ፕሮቶንን፣ ክልተ ኒውትሮንን ክልተ ኤሌክትሮንን ኣለዎ። ካብ ኣቶም ሃይድሮጂን Hydrogen ድማ ዕብይ ዝበለ እዩ። ሓደ: ብሓደ ዓይነት ተመሳሰልቲ ኣቶም ዝቆመ ነገር፡ ባእታ ወይ ኤለመንት Element ይበሃል። እቲ ነገር ኣየናይ ባእታ ከምዝኾነ ዝውስኖ፡ እቲ ኣብቲ ኣቶም ዘሎ ኒውክለስ ዚሕዞ ብዝሒ ኣቶም ፕሮቶን እዩ።

 Molecule ብሓደ ወይ ድማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝቑጽሮም ኣቶማት ዝቖመ ዝደቐቐ ኣሃዱ ናይ ሓደ ግዛዕ ወይ ሞለክዩል እዩ።    

ኣብ ተፈጥሮ 92 ባእታታት ወይ ኤለመንት ይርከብ። ኩላቶም ባእታታት ነናቶም መለለዪ ምልክት ኣለዎም። መለለዪ ምልክት ናይ ባእታታት ሓደ ወይ ክልተ ፊደላት እዮም። ኦክሲጂን (O)፣ ሃይድሮጂን (H)፣ ወርቂ ወይ Gold (Au) ፣ ብሩር ወይ Silver (Ag) ገለ ኣብነታት ናይ ባእታታት ወይ Element እዮም። እቶም ዝበዝሑ ኣቶማት፡ ብሓባር ክኾኑ ይደልዩ እዮም። እዚ ድማ ኣቶማት ነቲ ግዳማዊ ሼል ብኤሌክትሮን ምምላእ ስለዝደልዩ እዩ። ኣቶማት ንኤሌክትሮናት ብምክፋል፡ ነቲ ግዳማዊ ሼል ክመልኡ ይኽእሉ። ንኤሌክትሮን ብምክፋል ብሓባር ዝተላገቡ ኣቶማት፡ ሞለኪዩል ተባሂሎም ይጽውዑ። ክልተ ናይ ሃይድሮጂን Hydrogen ኣቶማት፣ ኤሌክትሮን ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ምስተላገቡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣቶም ኣብቲ ግዳማዊ ሼል ክልተ ኤሌክትሮን ይህልዎ። ሕጂ እዚ ሼል እዚ ሙሉእ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ክልተ ናይ ሃይድሮጂን Hydrogen ኣቶማት (H) ድማ፡ ሓደ ናይ ሃይድሮጂን Hydrogen ሞለኪዩል (H2) ይኾኑ። ክልተ ናይ ሃይድሮጂን Hydrogen ኣቶማት (H) ምስ ሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶም (O) ምስ ተላገቡ፡ ሓደ ናይ ማይ ሞለኪዩል Molecule (H2O) Water ይፈጥሩ። በዚ መሰረት ማይ እውን ሓደ ካብ ሞለኪዩል እዩ። Rebahin Film

Tags:

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ሊብያፈረንሳተሰነይጉግል ኤርዝውጥረት-ግዴታዊ ጸገምኣስቻለው ታመነሃገርሽወደንጋዕናን ድሙኢሳያስ ኣፍወርቂናይጀርኤርትራ ኤርትራ ኤርትራቋንቋ ሃገርትሽዓተድርብ ቋንቋነትዋንጫ ኣፍሪቃ 2023ደቡብ ኣፍሪቃጉሕጓሕካናዳጀርመንታይዋንኢመይልኣዲስ ኣበባኣውስትራሊያመሳርዕ ግብረ-ስጋስነ-ኮኾብ🡆 More