መቐለ

መቐለ ናይ ክልል ትግራይ ዋና ከተማ እያ። መቐለ ኣቐዲማ ኣብ ትግራይ ዋና ከተማ  ኣውራጃ እንደርታ እያ ነይራ። ካብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ሰሜን 780 ኪሎሜተር (480 ማይል) ርሒቓ ትርከብ ኮይና 2,254 ሜትሮ (7,395 ፉት) ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ኣለዋ። ብኣመሓዳሪ ፡ ከተማ መቐለ ከም ፍሉይ ዞባ እያ ትቑጸር ፡ እዚ ድማ ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ትኽፈል። ቊጠባዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ማእከል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ እያ።

መቐለ
ጎደና ደጀን ፡ መቐለ ።
መቐለ
ንበዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ምብራቓዊ ኣንፈት እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጎቦ ዝርከብ መስቀል።

ከተማ መቐለ ካብ 1991 ጀሚሩ በዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ዝመፀ ኾይኑ ብ 1984 61,000  ፡ ብ 1994 97,000 ተቐማጦ (96.5% ተዛረብቲ ትግርኛ ምዃኖም) ፡ ብ 2006 ድማ 170,000 (እዚ ማለት 4% ህዝቢ ትግራይ)።  ከተማ መቐለ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ አዲስ አበባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ እያ: ብዝሒ ህዝቢ ድማ ከባቢ 545,000 እዩ ። ካብታ ኣብቲ ክልል ብዕቤታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ዓዲግራት ብ2.6 ዕጽፊ ይዓቢ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ፣  ንግድን ኣናእሽቱ ትካላትን እዩ ዝምርኰስ። ብ 2007 ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ናይ ምህንድስናን ስሚንቶን ፋብሪካ ዓለባን ስለ ዝነበረ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕዳጋ ይፈሪ ነይሩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ኮሌጅ ሕርሻ ኣሪድ እዩ ማዕቢሉ: ሓያሎ ካልኦት መንግስታውን ብሕታውን ኮሌጃት ድማ ተመስሪተን እየን።

ታሪኽ

መበቆል

መቐለ 
ናይ አፀ ዮውሃንስ ራብዓይ ዓብዪ ግምቢ

Tags:

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ህንድናይጂሪያኤኳዶርታንዛኒያዩጋንዳፈታው ወርቂ ንጉስታይዋንማሪኦ (ገጸ ባህርይ ጸወታ ቪድዮ)ጆ ባይደንጊንዳዕማድሪድጥንሲኣቆጻጽራ ኦሮሞረስኒ ዚካሩስያዓረብኛጀፍሪ ማርሽካርማፐርሲያ ጃካርታሽወደንባንግላደሽከተማ ሻሸመኔሞሪታኒያኣማኑኤል ዮውሃንስብራዚልትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕክራርሞንጎልያእንስሳትግርኛ ፊደልስነ ጥበብሃይማኖትበቃቕ ኣንጭዋቋንቋ ሃገርዊኪፐድያ🡆 More