ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን

ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን:

እዘን ክልተ በቀማምጣአን ኣንጻር ዝዀና ክፍለ-ዓመታት'ዚኣተን፣ ኣዋርሓተን ማዕዶ-ማዕዶ፡ ኵነታት ኣየረን ዘይቃረብ ዘይቃዶ፣ ገገዛእ-ርእሳተን ዝኸኣላ በበይነን ምዃነን ንምዝኽኻር ጥራይ ክጽሕፍ።

ሓጋይ ኣብ ሃገርና ዝሑል፡ ብርሃን መዓልቲ ዚሓጽረሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚነውሐሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ታሕሳስ፡ ጥሪ፡ የካቲት የጋጥም። ክረምቲ ድማ፡ ምዉቕ፡ (ብዘይካ እቲ ዝናብ ኣብ ዚወርደሉ እዋን ዚቕልቀል ግዜያዊ ዛሕሊ) ብርሃን መዓልቲ ዚነውሐሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚሓጽረሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ የጋጥም።

ፈጺሞም ዘይራኸቡ፡ በብሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ፣ ምስ ዙረት ዓለምና ኣብ ዙርያ ጸሓይ ኣነጻጺርካ'ሞ፣ ኣብ'ቶም ቀዳሞት ዝረአኻዮም ከዋኽብቲ ከይተረፉ'ውን ኣብ'ቶም ካልኦት ዘይትርእየሉ፣ ንጹር ትርኢትን ኵነትን ዝሓዘሉ ክፍለ-ዓመታት ኢዮም። ኣብዚ እንፈላለ ኣይመስለንን።

ፍልልይሲ ብገለ መጺኡና'ሎ!!


ብኣቀማምጣ ሓደ ሃገር ኣብ ዓለምና -

(ደቡባዊ ዶ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ)፧

ዶስ ብመስርዕ ኣዋርሕ ፧

ወይስ ብዅነታት ኣየር ፧

ንዚብሉ ሕቶታት ንምምላስ፣

ኣብ ክልቲኣተን ንፍቀ-ክብታት ዘለዋ ሃገራት፣ ሳመረንን ዊንተረንን (summer - winter) ኣንጻር ምዃኑ ዚስሕቶ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ምስ ዑደት ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይን፡ ምስ ምቕናን ዘንጋን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ'ውን ንምዝኽኻር ደኣ እምበር፣ ምጡን ትምህርቲ ጂዎግራፍ ንዘሎዎስ ምርድኡ ኣይጽግምን። ንኣብነት ሳመር ኣብ ኤውሮጳ፡ ዊንተር ኣብ ኣውስትራልያ ይኸውን ማለት'ዩ። ኣብ ኤውሮጳ ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ኣብ ኣውስትራልያ ድማ፡ ዝቘረረን ሰዓታት ለይቲ ዝነውሐሉን እዋን-ዓመት ምዃኑ'ዩ።

ሃገርና፡ ከም ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ትርከብ። ኤውሮጳውያን ንሳመር ኪገልጹዎ ከለዉ፡- "ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ነዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ ዘጠቓለለን'ዩ" ይብሉ። እሞ፡ ኣብ ሃገርና'ውን ሽዑ ሳመር ምዃኑ'ዩ። ግን ከኣ፡ እዘን ኣዋርሕ'ዚኣተን ኣብ ሃገርና "ወርሓት ክረምቲ" ንብለን። ምስ'ቶም ደቂ ዞባና (ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ) "ሳመርና'ዩ" ክንብል ጸኒሕና፣ ምስ ደቂ ሃገርና "ክረምትና'ዩ" ንብል ማለት'ዩ። ገና ሕጂ'ውን መገድና ኣይሰሓትናን።

Tags:

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ድርብ ቋንቋነትክልል ትግራይኣማኑኤል ዮውሃንስቶጎጉግልቮልፍጋንግ አማዴኡስ ሞፃርትቋንቋ ኣምሓርኛህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕንቬኔዝዌላያሬድ ባየህሰንዓፈርእሰ ከተማባጤራቋንቋ ኣደዩናይትድ ስቴትስኣይቮሪ ኮስትታንዛኒያጆርጂያሶማልያባንግላደሽባምቡላጆ ባይደንሓሙስስዊዘርላንድትምህርቲTigrinya Wikipediaሙስጠፋ ከማል ኣታቱርክትሽዓተኣርባዕተዳችዶክተርቦሊቭያቡርኪና ፋሶሶፍትዌር ምህንድስናቸስሃገርመቐለ 70 እንደርታ ኤፍ.ሲቺሌመበገሲ ገጽፊንላንድ🡆 More