ብጫ ረስኒ: ቫይራላዊ ሕማም

{{#ifeq:|

ብጫ ረስኒ
ብጫ ረስኒ: ቫይራላዊ ሕማም
ፍሉይነት infectious diseases
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 


ብጫ ረስኒ (Yellow fever)፡ ኣቐዲሙ ብብጫ ኣድጊ (yellow jack) ወይ ብጫ ፌራ (yellow plague) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም ኮይኑ፡ ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ። እቲ ሕማም ኣብ ዝለኽፎም መብዛሕቶም ሕሙማት፡ ከም ረስኒ፡ ቊሪቊሪ ምባል፡ ምጥፋእ ሸውሃት፡ ዕግርግር ምባል፡ ብፍላይ ኣብ ሕቖ ዘጋጥም ቃንዛ ጭዋዳታትን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ምልክታት ይህልዎም። እቲ ምልክታት ድማ ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዚመሓየሽ ይኸውን። ኣብ ገለ ሰባት ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እናኸፍኤ ይኸይድ፥ ረስኒ ይምለስ፣ ቃንዛ ከብዲ ይመጽእን ብጫ ቆርበትዘስዕብ መጉዳእቲ ጸላም ከብዲ ይጅምር። እዚ ምስዘጋጥም፡ ሓደጋ ምድማይ ይህሉን ጸገማት ኲሊትናይ ምህላው ተኽእሎ ድማ ይዓብን።

እዚ ሕማም፡ ብቫይረስ ብጫ ረስኒ ዚስዕብ ኮይኑ፡ ብመንከስቲ ኣንስታይ ጣንጡድማ ይመሓላለፍ። ንሰባት፡ ካልኦት ምዕቡላት መጥበውቲከምኡውን ሓያሎ ዓሌታት ጣንጡ ጥራይ ድማ የጥቅዕ። ኣብ ከተማታት፡ ብአይደስ ኢጂብቲ (Aedes aegypti) ዝፍለጣ ዓሌታት ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ። እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዘርኢ ፍላቪቫይረስ (Flavivirus) ዚምደብቫይረስ ኣርኤንኤ (RNA) እዩ። እዚ ሕማም፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማ እዋን ካብ ካልኦት ሕማማት ንኽትፈልዮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተጠርጠረ ሕማም ብጫ ረስኒ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ መልሰ-ተግባር ሰንሰለት ፖሊመራስ (polymerase chain reaction) ብምጥቃም መርመራ ቅምሶ ደም ኺካየደሉ የድሊ።

ኣንጻር ብጫ ረስኒ ዚውሃብ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት ኣሎ፣ ገለ ሃገራት ድማ ናብአን ዝመጹ ገያሾ ክታበት ክወስዱ የገድዳ እየን። ረኽሲ ንምውጋድ ዚካየድ ካልእ ጻዕርታት፡ ንብዝሒ’ተን ህማም ዘመሓላልፋ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። ብጫ ረስኒ ግኑን ኣብ ዝኾነሉ፡ እሞ ኸኣ ክታበታት ልሙድ ኣብ ዘይኮነሉ ቦታታት፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ምንጻርን ንሰፊሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክታበታት ምሃብን፡ ምልባዕ’ቲ ሕማም ንኸተወግድ ኣገዳሲ ይገብሮ። እቲ መልከፍቲ ሓንሳእ ምስኣጋጠመ፡ ኣንጻር’ቲ ቫይረስ ዚውሰድ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍሉይ ስጉምታት የለን፣ እቲ ኪግበር ዘለዎ ቀንዲ ነገር ድማ ነቲ ሕማም ምቁጽጻር እዩ። ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሕክምና ምስዘይረኽቡ ንኸባቢ ፍርቂ’ቶም እተለኽፉ ሰባት ሞት የጋጥሞም።

ብጫ ረስኒ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት፡ ን200,000 ሰባት ይለክፍ፣ ኣብ 30,000 ሰባት ድማ ሞት የስዕብ፣ ከባቢ 90% እቲ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ የጋጥም። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ክፍሊ ዓለም፡ ከባቢ ቢልዮን ሰባት ይቕመጡ። ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት ደቡብ ኣሜሪካ ከምኡውን ኣፍሪቓግኑን ኮይኑ፡ ኣብ እስያግን ብፍጹም የለን። ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ’ቶም ብጫ ረስኒ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ሕማም ዚከላኸሉ ውሑዳት ሰባት ስለዘለዉ፣ ኣብ ከተማታት ድማ ብዙሓት ሰባት እናተቐመጡ ይመጹ ስለዘለዉ፣ ሰባት ብቐጻሊ ይጉዓዙ ስለዝኾኑ፡ ከምኡውን ምልዋጥ ክሊማ ከምዝኾነ ይእመን። መበቆል’ዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቓ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ድማ ብመገዲ ንግዲ ገላዩ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዚመሓላለፍ ኮይኑ። ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ፡ ሓያለ ቀንዲ ምልባዕ’ዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን የጋጥም ኣሎ። ኣብ መበል 18ን መበል 19ን ክፍላ-ዘመናት፡ ብጫ ረስኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ተመሓላለፍቲ ሕማማትይርኤ ነይሩ። እዚ ቫይረስ ብጫ ረስኒ፡ እቲ ፈለማ እተረኽበ ቫይረስ ደቂ-ሰብ እዩ።

References

Tags:

🔥 Trending searches on Wiki ትግርኛ:

ማሪኡፖልሳን ማሪዮጥዕና ሳይንስጉግል ካርታታትቻይናባንግላደሽደቀምሓረስዊዘርላንድኩባሓሙስሮሜ ግዝኣትግብጺሊለ ዶወንሡዓዲ ቀይሕጃፓንኣውስትራሊያፖሊሽቱርኪቡርኪና ፋሶታሪኽሕቡራት ሃገራትጸሓይኖርወይሰሉሰናሚቢያደቡብ ኮርያማላዊባዮሎጂሩስያኤርትራ ኤርትራ ኤርትራካናዳGrace Wanፊዚክስኣርባዕተኮምፒዩተር ሳይንስጉግል መጻሕፍቲሞንጎልያሪሆ ቴ ተኔሂሮኤውሮጳመቐለኤርትራሞዛምቢክባንኮጉግል ድራይቭሶፍትዌርዳችትግርኛ ፊደልኢጣልያየድምጽ ሳጥንታንዛኒያልቢ🡆 More